ደገፋት ማሕበር ሂቭ ኖርገ

ምስ ኩነት አችኣይቪ ብቐጥታ ዝተተሓሓዘ ሕጋዊ ምኽርታት ወይ ሓገዛት ዘድልየካ እንተኾይኑ ማሕበር ሂቭኖርገ ክንሕግዘካ ንኽእል ኢና። ከም ተወሳኺ ብዛዕባ ምስ አችኣይቪ ዝተሓሓዙ ካልኦት ሕቶታት ሓፈሻዊ ምኽርታት ንህበሉ ኣገልግሎት ኣለና።

scheduleOppdatert: 23.07.2021

createForfatter: Sekretariatet

labelEmner:

ማሕበር ሂቭኖርገ ዘይተራፕያዊ ዝርርባት ምስ አችኣይቪ ዘለዎም ወይ ብአችኣይቪ ዝተተንከፉ፡ ተጠቀምቲ ፈውሲ PrEP ነካይድ ኢና። ምስ ማሕበር Chemfriendly ብምትሕብባር ቸም ዝበሃል ዓይነት ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ተጠቀምትን ካልኦት ፍሉይ ጾታዊ ዝንባለታት ዘለዎም ዕጸ-ፋርስ ዝወስዱ ዝርርብ ነካይድ ኢና። ብሓባር ኮይንና ኣተርጓሚ የድሊ እዩ ኢልና እንተደኣ ገምጊምና ድማ ኣተርጓሚ ንጠልብ።  

ከም ተወሳኺ ንአችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ወይ ዝተተንከፉ፡ ፈውሲ PrEP ዝወስዱን ካልኦት ግዱሳትን ዝኸውን ብዙሕ ንጥፈታት ኣለና።  ዘለና ዕድላትን ንጥፈታትን ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕና(kalender) ተኸታተል።  

ምስ ካልኦት አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ክትዛረብ ትደሊ እንተኾንካ ብዙሓት ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ዝርከቡ ክዘራረቡ ዝደልዩ ሰባት ኣለዉና። እቶም ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ዝርከቡ ሰባት ብዙሕ ቋንቋታት ውን ይዛረቡ እዮም።  

ማሕበር ሂቭ ኖርገ ብቁጽሪ ተለፎን 21314580, ኢመይል ወይ  ብ ገጽ ብናይ ፈይስቡክ ገጽ ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።  

Les også

schedule24.03.2023

→ ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዲኻ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ የድልየካ ድዩ፧

ኩሉ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብርን ነጻ ሕክምና ኤችኣይቪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ዝቐረበ ሆስፒታል ክፍሊ ተላባዒ ሕማማት ብዘለዉ ዶክቶራት ክርከብ ይከኣል።

schedule31.12.2021

→ ውሑስ ክታበት ኮቪድ 19

ክታበት ኮቪድ-19፣ ኤች/ኣይ/ቪ (HIV) ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ውሑስ ምዃኑ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ትካል መጽናዕቲ ኤይድስ“ -ው/ሕ/ሃ/ት/መ/ኤ-(UNAIDS) ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ናይ ተላገብቲ ሕማማት ሓካይም፣ ነዚ ደጊፎሞ ኣለዉ። ነቶም ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ድማ፣ ነቶም ክታበታት ክወስዱዎም የተባብዕዎም።