ውሑስ ክታበት ኮቪድ 19

ክታበት ኮቪድ-19፣ ኤች/ኣይ/ቪ (HIV) ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ውሑስ ምዃኑ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ትካል መጽናዕቲ ኤይድስ“ -ው/ሕ/ሃ/ት/መ/ኤ-(UNAIDS) ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ናይ ተላገብቲ ሕማማት ሓካይም፣ ነዚ ደጊፎሞ ኣለዉ። ነቶም ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ድማ፣ ነቶም ክታበታት ክወስዱዎም የተባብዕዎም።

scheduleOppdatert: 24.08.2022

createForfatter: Sekretariatet

labelEmner:

ብመሰረት ሓበሬታ ው/ሕ/ሃ/ት/መ/ኤ-(UNAIDS) ፣ ክታበት-ኮቪድ-19 ንመብዛሕትኦም ሰባት፣ እንተላይ ነቶም ምስ ኤች/ኣይ/ቪ ዝነብሩ ሰባት እውን ውሑስ እዩ።

እቶም ክታበታት ኣብ ውሽጦም ካብ ሳርስ-ኮቭ-2 (SARS-CoV-2) ዝተወስደ ስነ-ሰረታዊ (ጀነቲካዊ -genetic-) ማለት እቲ ኮቪድ ዘምጽእ ቫይረስ ዝተወስደ ትሕዝቶ ኣለዎም። እዚ ንስርዓት ብይነትና (ኣብ ውሽጢ ሰውነትና ሕማም ዝከላኸሉ) -immune- ኣበራቢሩ ሰውነትና ኣንጻርቲ ቫይረስ ጸረ-ጓና ኣካል -antibody- ንኸፍሪ ይሕግዞ።

ካብዞም ዛጊት ኣብ ምምዕባል -መጽናዕቲ- ዘለዉ ኮነ፣ ህዝቢ ንኽጥቀመሎም ፍቓድ ዝረኸቡ ክታበታት ኮቪድ፣ ህያው ቫይረሳት ኣይጥቀሙን እዮም። ስለዚ ነቶም ምስ ኤች/ኣይ/ቪ ዝነብሩን፣ ዝተዳኸመ ስርዓተ ብይነት ዘለዎምን ሰባት ክጥቀሙሎም ውሑሳት እዮም።

ጎናዊ ሳዕቤን

ክታበት ድሕሪ ምውሳድ፣ ገለ ሰባት ገለ ጎናዊ ሳዕቤን ይስምዖም እዩ። እዚ ድማ ኣብ ክታበታት ኣዝዩ ዝውቱር ነገር እዩ። እቶም ጎናዊ ሳዕቤናት፣ ከም ዘቖንዙ ቅልጽም፣ ሕማም-ርእስን ፍኹስ ዝበለ ረስንን እዮም። ገለ ሰባት ብርቱዕ ናይ ቁጥዐ -allergy- ውጽኢት የርእዩ ይኾኑ። በዚ ምኽንያት እዩ ድማ ንስኻ ቀጥታ ክታበት ምስ ወሰድካ ን15-30 ደቓይቕ ዝኸውን፣ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ሰብ-ሞያ ጥዕና ክትጸንሕ ዘለካ። እዚ ኣገባብ ንኹሎም ክታበታት ዝምልከት ድኣ‘ምበር ንክታበት ኮቪድ-19 ጥራይ ኣይኮነን። እቶም ምስ ኤች/ኣይ/ቪ ዝነብሩ ወይ ዘለዎም ሰባት ካብዚ ዝተጠቕሰ ሳሕቲ ዝርአ ጎናዊ ሳዕቤን ወጻኢ፣ ልዕሊኡ ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋ የልቦን።

ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ሰባት ክታበት ክወስዱ ይግባእዶ?

ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ሰባት ክታበት ኮቪድ-19 ብምውሳድ ከምቲ ኩሉሰብ ዝረኽቦ ተመሳሳሊ ጥቕምታት እዮም ዝረኽቡ። ብተወሳኺ ንሳቶም እንተድኣ ተኸቲቦም ከለዉ፣ ብኮሮና ቫይረስ -ኮቪድ-19- ተለኺፎም፣ እዚ ካልኦት ዕቱባት ሕማማት ካብ ምሕማም ይከላኸለሎምን ንዝሰፍሐ ዝርግሐ ናይቲ ቫይረስ ድማ ናይ ምዕጋት ተኽእሎ ኣሎ። ብዛዕባዚ ዳሕረዋይ ዝተጠቕሰ ነጥቢ፣ ገለ ዘይርግጽነት ኣሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ኩሉሰብ ነቶም እንፈልጦምን ለሚድናዮም ዘለናን ናይ መከላኸሊ ኣገባባት፣ ከም ኢድካ ምሕጻብ፣ ካብ ሰባት ርሕቀት ምሕላው፣ ማስኬራ ምውዳይን፣ ገለ ሕማም ምስ ዝስመዓካ ኣብ ገዛኻ ኮፍ ምባል፣ ወዘተ. .ምዝውታር ክትቅጽል ንምዕደካ።

ትሑት ስርዓተ ብይነትን ካልእ ተወሰኽቲ ሕማማትን ዘለዎም ሰባት

ኣብዚ ሎሚ እዋን ዝወሃብ ክንክን ፍወሳ ኤች/ኣይ/ቪ ማለት እቶም ኣብ ኖርወይ ዝነብሩን ክንክን ሕክምና ዝወስዱን፣ ዝበዝሑ ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ሰባት፣ ጽቡቕ ስርዓተ ብይነት ኣለዎም ማለት‘ዩ። ከምኡ‘ውን ኣብ ደሞም ብመርመራ ደም ጌርካ ዘይዕቀን ትሑት ደረጃ ቫይረስ ኣለዎም።

ብመሰረት ሓበሬታ ናይቲ ኣካል ኦስሎ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ኡለቫል ዝኾነ፣ ናይ ተመላለስቲ ተገልገልቲ ረኽሳዊ -ተላገብቲ- ሕማማት ክሊኒክ፣ እዞም ዝስዕቡ ሰባት ጥራይ እዮም ብዕቱብ ናይ ምሕማም ተወሳኺ ሓደጋ ኮቪድ-19 ዘለዎም። ንሳቶም ትሑት ስርዓተ ብይነት ዘለዎም፣ እዚ ማለት፣ ናቶም ሲዲ4 (CD4) ትሕቲ 350 ዝኾነ፣ ክዕቀን ዝኽእል ርኡይ ቁጽሪ ቫይረስ ዘለዎምን፣ ካልእ ተወሰኽቲ ሕማማት ዘለዉዎምን እዮም።   

ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ሰባት ኮይኖም፣ ዕዉት ወይ ውጽኢታዊ ጥዕናዊ ክንክን ዝረኽቡ ዘለዉን፣ ናይ ዕቱብ ወይ ከቢድ ረኽሲ ኮቪድ-19 ተወሳኺ ሓደጋ የብሎምን። 

እቶም ኮሚርናቲ (Comirnaty) (እዚ ካብ-Pfizer/BioNTech ዝዳሎ‘ዩ) ከምኡውን ሞደርናን (Moderna)-ጃንሰን (Jannsen) ዝበሃሉ ክታበታት፣ ነቶም ትሑት ስርዓተ ብይነት ዘለዎም ሰባት ውሑሳት እዮም። ጃንሰን (Jannsen) ማለት  ንክታበት ኮቪድ ዘማዕበለን ዘፍረየን ናይ “Johnson and Johnson“ ፋብሪካ መድሃኒት እዩ።

ርእይቶ ሓካይምካ (GP)(Fastlegene)

ኣብዚ ናይ ተመላለስቲ ተገልገልቲ ረኽሳዊ -ተላገብቲ- ሕማማት ክሊኒክ፣ ኦስሎ ዝሰርሑ ሓካይም፣ ናይ ኤች/ኣይ/ቪ ሕሙማት ክታበት ኣብ ትሕቲ ምክትታልን ምእላይን ማዘጋጃ-ቤት (ምምሕዳር ከተማ) ድኣ‘ምበር ኣብ ትሕቲ ናቶም ክሊኒክ ኪካየድ የብሉን ኢሎም ይጸቕጡሉ። ኣብ ሓደጋ  ናይ ዘለዉ ሕሙማቶም ጸብጻብ ዘቕርቡን ክታበት ንኽገብሩ ዝሕብሩን፣ እቶም ቀጻሊ ዝሕክምዎም ስሩዓት ሓካይሞም (GP)(fastlegene) ስለዝኾኑ፣ ንሳቶም ብዛዕባቲ ነጸርታ ኤች/ኣይ/ቪ ናይቶም ሰባት ክፈልጡ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ እዞም ስሩዓት ሓካይም፣ ብቐጻሊ ጸብጻብ ሓበሬታ ናይ ሕሙማቶም  ይመጽኦም እዩ። ኣብኡ ድማ ደረጃ ሲዲ-4ን ብዝሒ ናይቶም ቫይረስን ይጥቀሱ እዮም። እቶም ሕሙማት ንባዕሎም እውን ነቲ ጽሑፋዊ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ኢንተርነት helsenorge.no ብምእታው ክረኽቡዎ ይኽእሉ እዮም። 

Les også

schedule24.03.2023

→ ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዲኻ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ የድልየካ ድዩ፧

ኩሉ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብርን ነጻ ሕክምና ኤችኣይቪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ዝቐረበ ሆስፒታል ክፍሊ ተላባዒ ሕማማት ብዘለዉ ዶክቶራት ክርከብ ይከኣል።

schedule31.12.2021

→ ውሑስ ክታበት ኮቪድ 19

ክታበት ኮቪድ-19፣ ኤች/ኣይ/ቪ (HIV) ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ውሑስ ምዃኑ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ትካል መጽናዕቲ ኤይድስ“ -ው/ሕ/ሃ/ት/መ/ኤ-(UNAIDS) ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ናይ ተላገብቲ ሕማማት ሓካይም፣ ነዚ ደጊፎሞ ኣለዉ። ነቶም ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ድማ፣ ነቶም ክታበታት ክወስዱዎም የተባብዕዎም።