አችኣይቪ እንታይ ማለት እዩ

አችኣይቪ ንናይ ሰውነትና ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ዘጥቅዕ ቫይረስ እዩ። እቲ ቫይረስ ኣብ ሰውነት ምስ ኣተወ ናይ ምክልኻል ዓቕምና ቀስ ብቐስ እንዳተዳኸመ ይኸይድ እሞ ንረኽስታትን ሕማማትን ዝያዳ ተቐባሊ እንዳኾነ ይመጽእ፡ ማለት ነዚ ጠጠው ዘብል ኣፋውስ ክሳብ ዘይተወስደ።

scheduleOppdatert: 16.12.2022

createForfatter: Sekretariatet

labelEmner:

አይድስ (acquired immunodeficiency syndrome) ንብዝሕ ዝበሉ ሕማማት ዘጠቓልል ሓቛፊ ኣምር ኮይኑ እቲ ናይ ሓባር ረቛሒ ብሰንኪ ረኽሲ አችኣይቪ ሰውነትና ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ክዳኸም ከሎ እዩ። ኣብ ኖርወይ ኣብዚ ደረጃ ዝበጽሓሉ ግዜታት ውሑድ እዩ። ሕክምና አችኣይቪ ምስ ጀመርካዮ ናይ ሰውነትና ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ስለዝበራታዕ እቶም አይድስ ኣለካ ዘብሉ ረቛሒታት ይእለዩ እዮም።  

ንአችኣይቪ ዘሕውዮ ሕክምና የለን፡ ኮይኑ ከብቅዕ ሎሚ ዘሎ ሕክምና ኣድማዒ ብምዃኑ ከበድቲ ሕማማት ክኽሰቱ ዘሎ ተኽእሎታት ይቕንሶን ናብ ካልኦት ሰባት ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎታት ይኣልዮን እዩ።

Les også

schedule24.03.2023

→ ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዲኻ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ የድልየካ ድዩ፧

ኩሉ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብርን ነጻ ሕክምና ኤችኣይቪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ዝቐረበ ሆስፒታል ክፍሊ ተላባዒ ሕማማት ብዘለዉ ዶክቶራት ክርከብ ይከኣል።

schedule31.12.2021

→ ውሑስ ክታበት ኮቪድ 19

ክታበት ኮቪድ-19፣ ኤች/ኣይ/ቪ (HIV) ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ውሑስ ምዃኑ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ትካል መጽናዕቲ ኤይድስ“ -ው/ሕ/ሃ/ት/መ/ኤ-(UNAIDS) ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ናይ ተላገብቲ ሕማማት ሓካይም፣ ነዚ ደጊፎሞ ኣለዉ። ነቶም ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ድማ፣ ነቶም ክታበታት ክወስዱዎም የተባብዕዎም።